እዛ መንእሰይ ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ፍራንስ 24 ዝገበረቶ ብስለትን ርዝነትን ክትዕ ናይ ብሓቂ ሓበንን ፍናንን ይስመዓካ። ብልሒ ጫፍ ኣድማሳዊ ፍልጠታን ብስለታን ብብዙሕ መዐቀንታት መዳርግቲ የብሉን። ብዙሕ ተዓዛባይ ናእድኡ ዘውሓዘላ እንትኾነ’ውን ብወገነይ ዘለኒ ትዕዝብቲ ከምዚ’ዝስዕብ ከቐምጥ።


ፍልጠትን ዋሕዝን ኣጠቓቕማ ቁዋንቁዋ እዛ መንእሰይ መዘና የብሉን። ኣዝዩ ገላፅን መሳጥን ኣብልዕሊ ምኻኑ፣ ፍሰት ሓሳባ ኣዝዩ ዝተጠመረን ዝተወደበን፣ ንተፃባኢኣ እውን ዘርዕድን ዘዕጎምጉምን ኔሩ። ምስሓቕ ሸራፋት ከምዝበሃል፤ ምስላ ወለዲ እውን ጌራቶ።ናይዚ ቀንዲ ምንጪ እንታይ እዩ ምስንብል ድማ ፤ብስለት ስምዒታ (her emotional intelligence ) ምሒር ምጡቕ ኮይኑ ተራእዩ። ዘይነፅፍ ፍልፍል ሓሳብ ስለዝወነነት፤ሓሳባን ፤ስምዒታን ተመጋጊቡ ቀልቢ ኣድመፅታ ኣሀኒና።ስምዒት ኣድመፅታ ምሒር ገዚኣ።ንባዕላ ትገልፀሉ ስምዒት እውን ኣመና መሳጥን ጉልሁን ኮይኑ ተራእዩ። ንዝረት ነብስኻ ዘወስኽን ዝስወጥን ኔሩ ንምባል ይከኣል። ስምዒት ብብሱል ሓሳብ እንተዘይተደጊፍ ትርጉም ኣልቦ ብዛዕባ ምኻኑ ካብዛ መንእሰይ ትመሃር። ናይ ብሓቂ ማህፀን ትግራይ ዘሐብንን ዘኹርዕን እዩ።

ንእስቲ መዓዛ እቲ ሓሳባን፣ ንሓሳባ ዝገልፅ ስምዒታን ፣ዓርሰ እምነታን፣ ርግኣታን፣ ተጠቒማ ሽሙ ንምልዓል ዘፈንፍን ተኻታዒኣ ሮማዕ ማዕ ኣቢላቶ። ለዝዩን ርሂፁን!! ዓጎምጎም እውን ኣብዚሑን ተራእዩ።ከምዚአን ዝኣመሰላ ትእምርቲ ትግራይን ትግራዋይነትን ክስስና፣ ዕድመን ጥዕናን ክህበን እውን ብውልቀይ እምነ። መዓዛ ዘለዋ ብልጫን ትብዓትን ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ብልዑል ፍቕሪ ትግራዋይነት ዝነደደት ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ፍልጠት ኣድማሳውነት ዝወነነት ምጭውትን ፍትውትን ውላድ ትግራይ እያ ። ንዘርአየቶ ፀብለልታን ሓልየት ህዝባን እውን ክትምስገን ይግባእ እብል።

271 Views

By PrimeNews Editor

Politics writer specially the Horn, Human Rights Advocate

11 thoughts on “ኣድማሳዊ ብልሒ መዓዛ ግደይ!”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *